ዕላል እቲ ነጋዳይ ን እቲ ገፋፊ ዓሳን



 ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ንዕረፍቲ ዝኸደ ነጋዳይ ኣብ ጽርግያ ሓንቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት
Catania, Sicily ነበረ። ንደገ ጠመተ እሞ ሓደ ገፋፍ ዓሳ ኣብ ድሕሪ ቀትሪ ጃልባኡ ናብ ገምገም ባሕሪ ክቕዝፍ ኣስተብሃለእቲ ገፋፍ ዓሳ ጃልባኡ ኣቐሚጡ፡ ነቲ ዓንዲ ዓሳኡ ኣብ ጐድኒ ኣዕሪፉ ዘሊሉ ወጸ።

ኣብ ውሽጢ እታ ንእሽቶ ጃልባ ሓያሎ ዓበይቲ ብጫ ፍንጭሕ ዝበሉ ዓሳታት ነበሩ። እቲ ነጋዳይ ነቲ ኢታልያዊ ብጽሬት ዓሳታቱ ብምንኣድ፡ ንምሓዝ ክንደይ ግዜ ከም ዝወስድ ሓቲቶ። እቲ ኢታልያዊ ድማ “ቁሩብ ግዜ ጥራይ” ኢሉ መለሰሉ.......ሽዑ እቲ ነጋዳይ ከምዚ ክብል ሓተቶ ስለምንታይ ኣብ ደገ ነዊሕ ጸኒሕካ ዝያዳ ዓሳ ዘይሓትሕዝ ? እቲ ገፋፊ ዓሳ ድማ ከምዚ ክብል መለሰሉ ፡ ንህጹጽ ድሌታት ስድርኡ ንምድጋፍ እቶም ዝገፈፎም ዓሳታት እኩላት ከም ዝኮኑ ገሊጸሉ ። ሽዑ እቲ ነጋዳይ “እቲ ዝተረፈ ግዜኻ ከ እንታይ ትገብር ክብል ሓተቶ? እቲ ገፋፍ ዓሳ፡ ድማ ከምዚ ክብል ገለዓጸሉ “ደንጉየ እየ ዝድቅስ፡ ቁሩብ ዓሳ እገፍፍ፡ ምስ ደቀይ እጻወት፡ ምስ በዓልቲ ቤተይ ማርያ ጽቡቕ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ድቃስ እወስድ፡ ምሸት ምሸት ናብታ ወይኒ ዝሰትየላን ምስ ኣሚጎታተይ ( የዕሩክተይ) ጊታር ዝጻወተላን ዓዲ እዘውር። ምሉእን ጽዑቕን ህይወት ኣለኒ ሴኖር ክብል መለሰሉ ።

እቲ ነጋዳይ፡ ድማ “ኣነ ኣመሪካዊ ኢንቨስትመንት ባንከኛ እየ፡ ብቢዝነስ ማኔጅመንት ፒኤችዲ ዘለኒ፡ ክሕግዘካ ይኽእል እየ። ኣብ ዝዓሞቐ ማያት ዓሳ ንምግፋፍ ዝያዳ ግዜ ከተሕልፍ ይግባእ፣ በቲ ዝረኽቦ ኣታዊ ድማ ዝዓበየት ጃልባ ክትገዝእ ይግባእ። ካብታ ዝዓበየት ጃልባ ብዝረኸብካዮ ገንዘብ፡ ሓያሎ ጀላቡ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ፤ ኣብ መወዳእታ፡ መርከብ ጀላቡ ገፈፍቲ ዓሳ ምሃለወካ። እቲ ዝሓዝካዮ ዓሳ ንሓደ ማእከላይ ሰብ ኣብ ክንዲ ትሸጦ፡ ብቐጥታ ናብቲ መፍረዪ ትካል ምሸጥካ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ መፍረዪ ትካል መግቢ ምወነንካ። ንፍርያት፡ መስርሕን ምክፍፋልን ፍሩይ ዓሳ ናብ ኣሽሓት ሰባት ምተቖጻጸርካ። ነዛ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ንእሽቶ ቁሸት ገፈፍቲ ዓሳ ወጺእካ ናብ ከተማ ጣልያን ፡ ድሕሪኡ ናብ ኤውሮጳ ፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ኹሉ ዓለም ክትከይድ ምተገደድካ ኣብኡ ድማ ነቲ ዝሰፍሕ ዘሎ ትካልካ ከተካይድ ምተገደድካ።እቲ ገፋፍ ዓሳ “ድማ ሴንዮር እዚ ኹሉ ክሳብ መዓስ እዩ ክንደይ ከ ክወስድዩ ክብል ብትሕትና ሓተቶ ?” እቲ ነጋዳይ ድማ “15-20 ዓመት” ኢሉ መለሰሉ።

ካዉኡ ከ ስኞር .... ድማ በለ እቲ ገፋፊ ዓሳ? ......እቲ ነጋዳይ፡ ደርቱ ነፊሑ “ሽዑ ጡረታ ምወጻእካ። ናብታ ደንጉኻ እትድቅሰላ፡ንእሽቶ ዓዲ ምከድካ ቁሩብ ዓሳ ጥራይ ምገፍፍካ ፡ ምስ ደቅኻ ምስ ተጻወተኻ ፡ ምስ በዓልቲ ቤትካ
ከምቲ ዝድለ ምደቀስካ ምሸት ምሸት ወይኒ ክትሰቲን ምስ ኣሚጎታትካ ጓይላኻ ክትጻወትን እትኽእለሉ ባይታ ምፈጠርኻ እቲ ገፋፍ ዓሳ፡ ፍሽኽ እናበለ፡ ንላዕሊ ጠሚቱ፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ከምኡ ኣይኮንኩን ዝገብሮ ዘለኹ፣ ክብል ሓተቶ .

ገለ ካብዚ ክፋል ክንማሃሮ ንከእል ነገር ኣሎ እንተ ኮይኑ ... ግዜ እቲ ሓቀኛ ባጤራ ህይወት እምበር ገንዘብ ኣይኮነን። እቲ ገፋፍ ዓሳ ምኽሪ ናይቲ ነጋዳይ እንተዝወስድ፡ ኣብ መወዳእታ ዕስለ ገንዘብ ምረኸበ፡ ግን ከኣ ኣዝዩ ዝወሓደ ግዜ ምሃለዎ። ሃብቲ እኳ እንተሃለወ፡ እዚ ንህይወት ዕግርግር፡ ዝተሓላለኸን ዕግበት ዘይብሉን ክገብሮ ይኽእል እዩ።ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ሓደ ክትሰርሖ ብሓቂ ዘየሐጉሰካ ነገር ብዙሕ’ዩ። ከምኡ’ውን፡ እቲ ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ፈጺምካ ክትመልሶ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኩሉ ግዜ ተወሳኺ ገንዘብ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፡ ካብዚ ንላዕሊ ግዜ ግን ፈጺምካ ክትረክብ ኣይትኽእልን ኢኻ። ገንዘብ መኪናን ገዛውትን ካልእ ንዋታዊ ንብረትን ክገዝኣልካ ይኽእል እዩ። ግን፡ ጥዑይ ሓዳር ወይ ምስ ደቅኻ ድልዱል ዝምድና ክገዝኣልካ ኣይክእልን’ዩ

ግዜኻ ክቡር እዩ፣ ብእኡ እትገብሮ ድማ ካብቲ ብገንዘብካ እትገብሮ ዝያዳ ርኡይ ሳዕቤን ክህልዎ እዩ። ስለዚ፡ ግዜኻ ብጥበብ ኣሕልፎ። እወ ብርግጽ ንመጻኢ ፋይናንሳዊ ውሕስነትካ ንምሕያል ተጠቐመሉ። ግን፡ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኣብ ህሉው ኣብ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ንበሮ ። ነቶም ሎሚ ኣገደስቲ ዝኾኑኻ ሰባትን ነገራትን ግዜኻ ሃቦም። ምኽንያቱ ግዜኻ መዓስ ከም ዝውዳእ ፈጺምካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ፣ እቲ ነጋዳይ ናብ ዕግበት ዘለዎ ህይወት ንምብጻሕ ፍኖተ-ካርታ እና' ኣንጸፈ ከሎ፡ እቲ ገፋፍ ዓሳ ድሮ ኣብቲ ቦታ በጺሑ ነበረ። ገና ዝያዳ ቀጥታዊ መንገዲ ሒዙ ነበረ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ካብ ተወሳኺ ገንዘብ ምድላይ ንላዕሊ ንጊዜኡን ንኽእለቱን ንስድራ ቤቱን ኣኽቢሩ ስለ ዝረኣዮ እዩ። ድሮ እቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኾነ ነገር ከም ዘለዎ ይፈልጥ ነበረ።
ኩሉ ግዚ ብዙሕ ገንዘብ ክትረክብ ትከእል ኢካ ግዜ ግን ብፍጹም ኢካ ክትረክብ ዘይትከል.... ስለዚ ግዜካ ብፍጽም ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣይተእቱ..
ዝኮነ ሕቶ ርእይቶ
feel free to send them my instagram is open
Abel-tewelde

abel




Comments

  1. Well done 👍 mate

    ReplyDelete
  2. 👌🏻 keep it up

    ReplyDelete
  3. I love your mindset, glad that I followed your page looking forward for more content abela

    ReplyDelete

Post a Comment

Popular posts from this blog

ን ሰብ ምምካር

ሊዮናርዶ ዳ ቪንቺ እቲ ህንጡይ ሰብ