ን ሰብ ምምካር
ኣብ ዓለም እታ ዝቀለለት ነገር እንተ ኣላ ንካሎኦት ምምካር እያ " ኣማኑኤል ካንተ "
ኣብ ጽሑፋት ኣቦይ ወልደኣብ
ወልደማርያም ካብ ዝረኸብናዮ ዛንታ፣
ክልተ ጐረባብቲ ኣንስቲ ተባእሳ ብድሕሪ እዚ፡ ሓንቲ ነታ ሓንቲ “ኣቲ ስዋ ጸሚቛ ዘይትኽእል!” ክትብል ጸረፈታ። እታ ዝተጸርፈት ድማ፡ ‘እኽእሎ እባ ደኣ - እንታይ ኰይነ ዘይክእሎ’ ክትብል መለሰትላ። በሊ’ስከ ትኽእልዮ እንተደኣ ኰይንኪ ብኸመይ ይስራሕ በለታ።
ጓልያት፡ ከመይ ገይርካ ይስራሕ - ካብ ፈለማኡ እርይ ቁጽር ኣቢላ ነገረታ። ወያ ጸራፊት፡ እቲ ዝነገረታ ኣሰራራሓ ስዋ ኵሉ ቅኑዕ ኰይኑ ምስ ረኸበቶ፣ ካብ ጸርፊ ዓዲ ከይትውዕል “ኣንቲ ትፈልጦ’ሞ ዘይትገብሮ” ክትብል መሊሳ ጸረፈታ” ይብል። እቲ ጸርፊ ንዅልና ዋላ ነታ ዝጸረፈት እዩ ዝምልከት። እቲ ንፈልጦ’ሞ ዘይንገብሮ ንፈልጦ’ሞ ዘይንገብሮ ኣብ ኵልና እዩ ዘሎ። ክትመክር ቀሊል እዩ። የግዳስ፡ ኵሉ ንፈልጦ’ሞ ኣይንገብሮን፣ ካብ ምምካር ግና ዓዲ ኣይንውዕልን።
“ቀሺ ዝበሎ እምበር ቀሺ ዝገበሮ ኣይትግበር” ክበሃል ዘይሰምዐ ኣይህልወናን። ሽጋራ ከተትክኽ ዝፈቅድ፣ መስተ ክትሰቲ ዘተባብዕ፣ ክትዝሙ ዝደፋፍእ ሓኪም የለን። ሓኪም ኣንጻር እዚ ኵሉ ዝተጠቕሰ እዩ ዝመኽረካ እንተዀነ፡ ንባዕሉ ካብ’ዚ ኵሉ ናጻ ድዩ
ኣይኰነን.. እንድዒ? ንደቅና ማእለያ ዘይብሉ ምኽሪን
ክገብሩዎ ዘይብሎም ክንነግርን ኢና ንውዕል እንተዀነ፡ ነቶም ፍጹም ክገብሩዎም ዘይብሎም ኢልና ከነጠንቅቖም እንውዕል፡ ተመሊስና ባዕላትና ኢና እንጥሕሶም መሊስና ካብ ምምካርን ምምዓድን ድማ ኣይንቑጠብን ካብ ምግናሕ ኣይንተርፍን : ኣማኑኤል ካንት - ካብ መንጎ’ቲ ብዙሕ ዝሕተቶ ዝነበረ፣ እታ ዝቐለለት ነገር እንታይ እያ? ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፣ “ንካልኦት ሰባት ምምካር” ቢሉ ይብሉዎ። እወ ምምካር ቀላል ስለዝዀነት ኢና - ንነብስና ዘይመኸርና፣ ንዝዀነ ማእለያ ዘይብሉ ምኽሪ ክንመክር እንውዕል። ነዛ ነብስና ግን. ?? እዚን እትን ግበር ክትብልን ባዕልኻ ክትፍጽሞን በበይኑ እዩ። ዝዀነ ሰብ ኣብ ተግባር እዩ ድኹም እምበር፣ ኣብ ምኽሪስ ኵሉ ንፉዕ እዩ። ኵሉ ዝብላዕ ዘረባ የመንጩ። እንተዀነ፡ ዝመሰለ ነገር እናመኸረ ዝበሰለ ስራሕ ክሰርሕ ኣይረአን። እቲ ንፈልጦስ፡ እንገብሮ ክኸውን እንከሎ እዩ ዝበለጸ ዝኸውን!

Comments
Post a Comment