Posts

Showing posts from April, 2023

ንባብ መግቢ ናይ ኣእምሮ እዩ

Image
  ህይወትና ብዙሓት ነገራት ከም ምርጫ ወሲድና ከነተግብሮም ንረአ ኢና። ነቲ ምርጫ ምውሳድናን ዘይምውሳድናን ከኣ፡ ብመጠን’ቲ ድሒሩ ዘስዕቦ ሳዕቤን እዩ ዝዕቀን። እቶም ብዘይ ምትግባርና ክቦኽሩና ወይ ክጎድሉናን ክጎድኡናን ዝኽእሉ ነገራት ከኣ ናይ ግድን ክንወስዶም ዝግባኣና ኣማራጺታት ይኾኑ። ሓደ ካብኦም ከኣ ምንባብ እዩ። ንባብ መግቢ ናይ ኣእምሮ እዩ ይበሃል እንተሎ፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ከም ዝምልከቶን ከም ዘርብሖን እዩ ዝሕብረና። ኣብዛ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብዚ ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ከም ሓረግ ተጠናኒጋትሉ ዘላ እዋን፡ ብዝሒ መጻሕፍቲ ከነንብብ፡ ፍልጠትን ሓበሬታን ክንድልብን ግድን እዩ። ሰብ ብመጠን’ቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዝረኽቦ ሓበሬታን ተመኲሮ ፍልጠትን ስለዝኾነ ዕቤቱ ዝረጋገጽ። ብርግጽ፡ ስነ-ጥበባዊ ሕብርታት ኣሳእል፡ ንትሕዝቶታት ዓለም ብቐሊሉ ከርእዩና ዝኽእሉ መሳኹቲ ክኾኑ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ፡ መጻሕፍቲ ግና፡ ነቲ ሽሻዩ ካብ መሶቡ ክንቋደስ ቊሩባት ምስ እንኸውን፡ ካብቲ ውሻጠ ውሽጥና ኣውጺኦም፡ ናብቲ ኬድካ ዘይውዳእን ሓምቢስካ ዘይውጻእን ባሕሪ ፍልጠትን ተመኲሮን ዘብቅዑና ብሉጻት ህያባት እዮም። ንባብ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ ጥቕምታቱን ጉድኣታቱን ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝጸልዎ’ኳ እንተኾነ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ነገራት፡ ብሰንኪ ባህሪ፡ ትሕዝቶን ደረጃን ናይቲ ሰብ፡ ንሓደ ሰብ ዝያዳ ካልእ ዘገድሰሉ እዋን ኣሎ። እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ ፡ ገለ ካብቶም ዘርዚርካ ዘይውድኡ ብዙሕ ጥቕምታት ዝህቡን፡ ኣብ ህይወት ዝፈጥርዎም ብሉጻት ዕድላትን መኽሰባትን እዮም።  ምንባብ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትናን ምንቅስቓሳትናን፡ ብልሕን ትኲርነትን’ዩ ዝፈጥረልና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ንንባብ ዝኸውን ግዜ ፈሊና ምንባብ ምስ እነዘውትር፡ ዝለዓለ...

ንባብ ዝጀመርኩሉ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብ

Image
 " ንባብ ን ትምህርቲ ዘይኮነ ን ሂወት እዩ" ንባብ ዝጀመርኩሉ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብ ህይወተይ ተዘከርቲ ዝዀኑ እዋናት’ዩ። ዋላ’ኳ ንባብ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኢልካ ጀምሮ፡ ፍቕሩ ምስ ሓዘካ ግና ክገድፈካ ዝኽእል ኣይኰነን።ፍቕሪ ንባብ ካብቲ ኣብ ህይወት ትርጉም ዝፈጥር ብምዃኑ፡ ህይወትና ብዘይ ንባብ ከመይ ምዀነት ኢለ ኣብ ዝሓስበሉ እዋን፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ተሸሚመ ክወጽኦ እየ ዝጋደል።  ንባብ መስትርሆት ናይ ኩሉ ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዝደሊ ባህጊ’ዩ። ኣነ እንከንብብ ይሕደስ እሞ ሓድሽ ሓይሊ ይረክብ፤ እዚ ሓድሽ ሓይሊ’ዚ ኸኣ ናብ ዘይወስደኒ የብሉን። እንሓንሳብ የንሳፍፈኒን የሐንብሰኒን፡ እንሓንሳብ ከኣ ኣብ ዓሚቚ ሓሳባት የጥሕለኒ። ሽዑ ኣብ ቀጻሊ ንባብ ምህላው ማለት ኣብ ቀጻሊ ዕብየት ምህላው ማለት ምዃኑ የዘኻኽረኒ ብንባብ ዝፍጠር ዓለም ናቱ ጽባቐ ዘለዎ’ዩ። ሓሓንሳብ ኣብ ዲቕ ዝበለ ናይ ፍልስፍና ሓሳባት ኣቲና ኣብ እነንብበሉ እዋን ብዝፍጠሩ ክትዕ ናይ ሓሳባት ኣብ ክንወጾ ዘይንእኽል ሓሳባት ንኣቱ እሞ፡ እቶም ዝለዓሉ ሓሳባት ድማ ካብን ናብን ስለ ዝፈላለዩ፡ ነየን ኣሚንና ነየን ንኽሕድ ኣዚና ናብ መዋጥር ንኣቱ። ግን’ኳ ዓለም ከምኡ እያ። ክንደይ ዝበለዩ ሓሳባት ዝእለየላ ክንደይ ሓደስቲ ሓሳባት ዝዕንብበላ ዓውዲ እያ።  እስከ ነውግዕ! ጥቕሚ ንባብ ከመይ ገይርና ንግለጾ ተባሂልና ምስ እንሕተት ብኸመይ ምመለስና? ጥቕሚ ንባብ ኣዝዩ ብዙሕ’ኳ እንተዀነ፡ ካብ መሰረት ክንመጽእ ግና ንባብ ፍልጠት እዩ። ሰባት እነንብብ ፍልጠት ንምውሳኽ’ዩ። ብዙሕ ፍልጠት ብቐሊሉ ካብ ጽሑፍ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ብባህርያዊ ስነ-ፍልጠት ዝተረኽቡ ርኽበታት ከተንብብ ከለኻ፡ ሰብ’ሲ ከመይ ኢሉ ንባህሪ ይገጥም፡ ንሽግራቱ ብኸመይ ዝበለ ጥበብ ይፈትሕ ከ...

ን ሰብ ምምካር

Image
 ኣብ ዓለም እታ ዝቀለለት ነገር እንተ ኣላ ንካሎኦት ምምካር እያ " ኣማኑኤል ካንተ "          ኣብ ጽሑፋት ኣቦይ ወልደኣብ       ወልደማርያም ካብ ዝረኸብናዮ ዛንታ፣ ክልተ ጐረባብቲ ኣንስቲ ተባእሳ ብድሕሪ እዚ፡ ሓንቲ ነታ ሓንቲ “ኣቲ ስዋ ጸሚቛ ዘይትኽእል!” ክትብል ጸረፈታ። እታ ዝተጸርፈት ድማ፡ ‘እኽእሎ እባ ደኣ - እንታይ ኰይነ ዘይክእሎ’ ክትብል መለሰትላ። በሊ’ስከ ትኽእልዮ እንተደኣ ኰይንኪ ብኸመይ ይስራሕ በለታ። ጓልያት፡ ከመይ ገይርካ ይስራሕ - ካብ ፈለማኡ እርይ ቁጽር ኣቢላ ነገረታ። ወያ ጸራፊት፡ እቲ ዝነገረታ ኣሰራራሓ ስዋ ኵሉ ቅኑዕ ኰይኑ ምስ ረኸበቶ፣ ካብ ጸርፊ ዓዲ ከይትውዕል “ኣንቲ ትፈልጦ’ሞ ዘይትገብሮ” ክትብል መሊሳ ጸረፈታ” ይብል። እቲ ጸርፊ ንዅልና ዋላ ነታ ዝጸረፈት እዩ ዝምልከት። እቲ ንፈልጦ’ሞ ዘይንገብሮ ንፈልጦ’ሞ ዘይንገብሮ ኣብ ኵልና እዩ ዘሎ። ክትመክር ቀሊል እዩ። የግዳስ፡ ኵሉ ንፈልጦ’ሞ ኣይንገብሮን፣ ካብ ምምካር ግና ዓዲ ኣይንውዕልን። “ቀሺ ዝበሎ እምበር ቀሺ ዝገበሮ ኣይትግበር” ክበሃል ዘይሰምዐ ኣይህልወናን። ሽጋራ ከተትክኽ ዝፈቅድ፣ መስተ ክትሰቲ ዘተባብዕ፣ ክትዝሙ ዝደፋፍእ ሓኪም የለን። ሓኪም ኣንጻር እዚ ኵሉ ዝተጠቕሰ እዩ ዝመኽረካ እንተዀነ፡ ንባዕሉ ካብ’ዚ ኵሉ  ናጻ ድዩ ኣይኰነን.. እንድዒ? ንደቅና ማእለያ ዘይብሉ ምኽሪን ክገብሩዎ ዘይብሎም ክንነግርን ኢና ንውዕል እንተዀነ፡ ነቶም ፍጹም ክገብሩዎም ዘይብሎም ኢልና ከነጠንቅቖም እንውዕል፡ ተመሊስና ባዕላትና ኢና እንጥሕሶም መሊስና ካብ ምምካርን ምምዓድን ድማ ኣይንቑጠብን ካብ ምግናሕ ኣይንተርፍን : ኣማኑኤል ካንት - ካብ መንጎ’ቲ ብዙሕ ዝሕተቶ ዝነበረ፣ እታ ...

ብ ከመይ ከም እተንብ እንተ ፈሊጢካ ናጻ ኮንካ ኣለካ ማለት እየ

Image
 ብኸመይ ከም እተንብብ እንተፈሊጥካ ናጻ ሰብ ኴንካ ኣለኻ ማለት እዩ ” ፍሬደሪክ ዳግላስ”  ሕብረተሰብ ማይ ፍልጠት ብዝሰተዩ ኣባላቱ እዩ ሱር-በተኻዊ ለዉጢ ዘምጽእ። ቀንዲ ምንጪ ፍልጠት ድማ ትምህርቲ እዩ። ናይ መጀመርያን መወዳእታን ደረት ፍልጠት ግን ኣይኮነን :ንከባቢኻን ሕብረተሰብካን ብግቡእ እንተንቢብካዮ ርእሱ ዝኸኣለ ዓቢይ መጽሓፍ እዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወት እዉን መስተዉዓሊ፣ ንፉዕ ሰማዒን ትኩር ጠማትን ብምዃን ንህይወትካ ብኣወንታ ዘማእዝንን ዘናብረካን ፍልጠት ምምእራር ይከኣል እዩ። ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣተኲርካ ምስ ሰባት ምዝታይን ምምኽኻርን ከምኡ’ዉን ኣብ ዓዉደ-መጽናዕቲ ምስታፍ ንገዛእ ርእሱ፣ ብዛዕባ ከባቢኻን ዓለምን ሰፊሕ መረዳእታ ንኽህልወካ ሓጋዚ እዩ። እቲ ዘየቋርጽ ምንጪ ፍልጠት ግን መጽሓፍ እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ በብግዚኡ እናማዕበለ፣ እናዓሞቐን እናተሓደሰን ዝኸይድ ምንጪ ሓበሬታ ስለዝኾነ።መጽሓፍ ናይ ምንባብ ባህሊ ዘለዎ ሰብ ምስ ነፍስ-ወከፍ ስጒሚ ምዕባለ ዓለም ክጓዓዝ ይኽእል። ብመገዲ እቶም ዘንብቦም መጽሓፍቲ ኣቢሉ ከኣ ንነብሱ ወትሩ ምስ ሓዳስ ዓለም ብምልላይ ድሕሪት ካብ ምትራፍ ይድሕን።ኣብዚ ሎሚ ዓለም ብምዕባለ እትሕምበበሉ ዘላ ዘመን፣ መሃምነት፣ ፊደል ዘይምቑጻር ጥራይ ዘይኮነ በብግዚኡ እናተሓደሰ ምስ ዝኸይድ ዓለም ክትላለ ዘይምኽኣል እዉን እዩ። በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ዋላ እቲ ሊቕ ዘስሚ ትምህርቲ ዝተማህረ ሰብ ባህሊ ንባብ ክሳብ ዘይሃለዎ ካብ መሃይማን ኣይፍለን እዩ ዝበሃል።ንባብ መግቢ ኣእምሮ ስለዝኾነ ኩሉ ከንብብ ዝኽእል ሰብ ከንብብ ኣለዎ። መጽሓፍ ናይ ርሑቕን ቀረባን ረዘንቲ ሓሳባት፣ ቁም-ነገር ሓዘል ሃብታም ዉርሻታት፣ ከምኡ’ዉን ታሪኽን ባህልን ሕብረተሰባት እንፈልጠሉ ሚድያ እዩ።  ምንባብ ፍ...

ብስለት maturity !

ብስለት ( Maturity ) ብስለት ብቐንዱ፡ ውጽኢት ንቕሓትን ሰፊሕ መረዳእታን እዩ’ ይብሉ ተመራመርቲ ናይ’ዚ ዓውዲ። ኣብ ህይወት ዘለካ ኣጠማምታ ኣብ ግብራዊ ተመኵሮን ሓቅን ዝተመርኰሰ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባን እምነትን፡ ካብ ቅድመ-ፍርድን ስምዒትን ሓራ ምስ እትኸውን. . . ብሱል ኣመለኻኽታ ክህልወካ ይኽእል እዩ።  ብሱል ሰብ ክትበሃል ናይ ግድን ዕድመ ዝበላዕካክትከውን ኣለካ ማለት እውን ኣይኰነን።ብስለት ናይ ብዙሓት ድምር እዩ። ዕድመ ንቕሓት፡ ብልሒ፡ ናይ ምውሳን ዓቕሚን ካልኦት ረቛሒታትን ተደሚሮም እዮም ብሱል ሰብ ዝገብሩኻ። ተመራመርቲ’ዚ ዓውዲ፡ ደረጃ ብስለት ዝዕቅን ረቛሒታት ኣንቢሮም ኣለዉ፡- - ኣብ ክውንነት ምእማንን ኣብ ሓቅታት ምምርኳስን - ኣብ ኣእምሮኻ ቦታ ዝሃብካዮም ኣጉል እምነት፡ ግጉይ መረዳእታ፡ ቅድመፍርድን ግምታዊ ጠባያትን ብወድዓውነት መርሚርካ ምጉሓፍ - ኣብ ክንዲ ብስምዒት ብርትዒ ምሕሳብ። ንስምዒትን ርትዕን ፈላሊኻ ምፍላጥ፡ ንኽልቲኦም ኣብ ህይወትካን ቀዳምነታትካን ግቡእ ቦታኦም ምትሓዝ - ኣቀራርባኻ ኣልዝብ ኣቢልካ ከተእምን ምኽኣል። ማእከል ስሕበት ክትከውን ከይደለኻ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ምሕዝነት ምምስራት፡ ፍሽለት ከይፈራሕካ ውጥናትካ ምትግባር - ኣብ ክንዲ ነቓጽን ንፍርዲ ዝህወኽን ዓይነት ሰብ እትኸውን፡ ተዓጻጻፊ በዓል ክፉት ኣእምሮን ንሓድሽ ፍልጠትን ሜላን ተቐባሊ ክትከውን ምኽኣል - ኣጋጣሚታት ህይወት ንዝኽሰተሉ ቦታን ግዜን ከም ዝመስሉ ፈሊጥካ፡ ኣቐዲምካ ብዝቓነኻዮ ወይ ብልሙድግብረ-መልሲ ክትምልሰሎም ዘይምፍታን - ንኹሉ ገጻት ህይወት ክትሕጐሰሉን ከተስተማቕሮን ምኽኣል ኣየናይ እዩ ክትገብሮን ክትጭብጦን ዝከኣል? ኣየናይ እዩኸ ዘይከኣል? ፈሊጥካምርዳእ - ብዛዕባ ነብስኻ ዝተጋነነ ምስሊ ዘ...