ገለ ካብቲ ን ከንብብ ዝሓገዙኒ ሜላታት
ኩሉ ግዜ እተንብቦ መጽሓፍ ኣብ ጥቓኻ ይሃሉኻ። ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ከለኻ ዚንበብ ተማላእ። መጽሒታት ሓጸርቲ ጽሑፋትን ካልኦት ዚንበቡ ነገራት ኣብ ቦርሳኻ ሓዝ። ኣብ ጥቃ ዓራትካ መጻሓፍቲ ኣቐምጥ። ከም'ዚ ብምግባር እቲ ብኸንቱ ዚጠፍእ ዝነበረ ግዜኻ ኣብ ምንባብ ክትሕልፎ ኪሕግዘካ 'ዩ። ሽቶ ናይ ምንባብ ኣዳሉ ። ክንደይ ካብ ግዜኻ ኣብ ምንባብ ክትሕልፎ ከም እተደሊ ወይ ድማ ክንደይ መጽሓፍ ኣብ ክንደይ እዋን ክተንብብ ከም እትደሊን ወስን፡ዕላማኻ ሓንቲ መጽሓፍ ኣብ ወርሒ ወይ ኣብ ሰሙን ወይ'ዉን ኣብ መዓልቲ ንሳላሳ ደቓይቕ ምንባብ ኪኸዉን ይኽእል'ዩ። ብቐለልቲ ዚንበቡ ጀሚርካ ናይ ምንባብ ልምዲ ሃኒጽካ ዕብይ ዝበሉ ሽቶታት ክተበግስ ትኽእል ኢኻ ። ዕላማ ምህላዉ ብዙሕ ንምንባብ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ 'ዩ። መዝገብ ኣዳሉ ፡ ክንደይ መጽሕፍቲ ከም ዘንበብካ ወይ ኣብ መዓልቲ ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዘንበብካ ኩሉ መዝግብ ፡ እቲ መዝገብ ኣብ ጥቓ መደቀሲኻ ፡ ኣብ ማዕጾ ናይ ፍርጅካ ወይ'ዉን ኣብ ኮምፕዩተርካ ኣብ ዝርአ ቦታ ክተቀምት ትኽእል ኢኻ። ንመጻኢ ከተንብቦም እትሓስብ ነገራት ብዝርዝር ኣዳልዎም ። ን ኣዕሩኽትኻ ወይ መሓዙትካ እንታይ የንቡቡ ከም ዘለዉ ተወከሶም፡ ዝንበቡ ዚኽእሉ ማረኽቲ መጻሓፍቲ ፈትሽ ። ጽቡቃት መጽሓፍቲ ክተንብብ እንተ ደሊኻ ፡ ንኽትረኽቦም ብዙሕ ኣይክትሽገርን ኢኻ ። ከምዚ ብምግባር ናይ ምንባብ ሽዉሃትካ ኣብ ምኽፋት ኪሕግዘካ'ዩ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ምንባብ ልምድኻ ኪዓቢ እዩ። ኣብ ናይ መጻሓፍቲ ክለብ ወይ ጉጂለ ኣንበብቲ ምጽንባር ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።ከምዚ ብምግባር ብዙሕ ክተንብብን ሓንቲ መጽሓፍ ንምዉዳእ ኒሕ ክህልወካን ዓቢ ተራ'ን ዚጻወት። ናትካ ሜላ ተጠቀም ምንባብ...