ንባብ ዝጀመርኩሉ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብ
" ንባብ ን ትምህርቲ ዘይኮነ ን ሂወት እዩ"
ንባብ ዝጀመርኩሉ እዋን ሓደ ካብቶም ኣብ
ህይወተይ ተዘከርቲ ዝዀኑ እዋናት’ዩ። ዋላ’ኳ ንባብ ንኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኢልካ ጀምሮ፡ ፍቕሩ ምስ ሓዘካ ግና ክገድፈካ ዝኽእል ኣይኰነን።ፍቕሪ ንባብ ካብቲ ኣብ ህይወት ትርጉም ዝፈጥር ብምዃኑ፡ ህይወትና ብዘይ ንባብ ከመይ ምዀነት ኢለ ኣብ ዝሓስበሉ እዋን፡ ኣብ ዲቕ ዝበለ ጸልማት ተሸሚመ ክወጽኦ እየ ዝጋደል።
ንባብ መስትርሆት ናይ ኩሉ ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዝደሊ ባህጊ’ዩ። ኣነ እንከንብብ ይሕደስ እሞ ሓድሽ ሓይሊ ይረክብ፤ እዚ ሓድሽ ሓይሊ’ዚ ኸኣ ናብ ዘይወስደኒ የብሉን። እንሓንሳብ የንሳፍፈኒን የሐንብሰኒን፡ እንሓንሳብ ከኣ ኣብ ዓሚቚ ሓሳባት የጥሕለኒ። ሽዑ ኣብ ቀጻሊ ንባብ ምህላው ማለት ኣብ ቀጻሊ ዕብየት ምህላው ማለት ምዃኑ የዘኻኽረኒ ብንባብ ዝፍጠር ዓለም ናቱ ጽባቐ ዘለዎ’ዩ። ሓሓንሳብ ኣብ ዲቕ ዝበለ ናይ ፍልስፍና ሓሳባት ኣቲና ኣብ እነንብበሉ እዋን ብዝፍጠሩ ክትዕ ናይ ሓሳባት ኣብ ክንወጾ ዘይንእኽል ሓሳባት ንኣቱ እሞ፡ እቶም ዝለዓሉ ሓሳባት ድማ ካብን ናብን ስለ ዝፈላለዩ፡ ነየን ኣሚንና ነየን ንኽሕድ ኣዚና ናብ መዋጥር ንኣቱ። ግን’ኳ ዓለም ከምኡ እያ። ክንደይ ዝበለዩ ሓሳባት ዝእለየላ ክንደይ ሓደስቲ ሓሳባት ዝዕንብበላ ዓውዲ እያ።
እስከ ነውግዕ! ጥቕሚ ንባብ ከመይ ገይርና ንግለጾ ተባሂልና ምስ እንሕተት ብኸመይ ምመለስና? ጥቕሚ ንባብ ኣዝዩ ብዙሕ’ኳ እንተዀነ፡ ካብ መሰረት ክንመጽእ ግና ንባብ ፍልጠት እዩ። ሰባት እነንብብ ፍልጠት ንምውሳኽ’ዩ። ብዙሕ ፍልጠት ብቐሊሉ ካብ ጽሑፍ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ብባህርያዊ ስነ-ፍልጠት ዝተረኽቡ ርኽበታት ከተንብብ ከለኻ፡ ሰብ’ሲ ከመይ ኢሉ ንባህሪ ይገጥም፡ ንሽግራቱ ብኸመይ ዝበለ ጥበብ ይፈትሕ ከተስተውዕል ትኽእል ብዛዕባ ዘይትፈልጦ ዓውዲ ኰነ ኵነታት ኣብ ምፍላጥ ሓጋዚ’ዩ።
ክትኰኖ እትደሊ ንኽትሓስብ፡ ንባብ ዓቢ ተራ እዩ ዝጻወት። ብዛዕባ ፍቕሪ እተንብቦ መጽሓፍ እሞ ድማ እቲ ጸሓፊ ክኢላ እንተደኣ ኰይኑ ኣብ ስእለ ኣእምሮኻ እተሰላስሎ ሓሳባት ናበይ’ሞ ዘይወስደካ? ውጹእ ልቢ-ወለድ ዝዀነ ናብ ሓቀኛ ህይወትና ዝቐረበ ጽሑፋት ክንረክብ ከለና እንዀኖ’ኳ ብቐልሉ ዝግለጽ ኣይኰነን። ንባብ ነብስኻ ንምፍታሽ’ውን ይሕግዝ’ዩ። ብርቂ ሓሳብ ቅድሚ ዓሰርተታት መዋእል ክዝተየሎም ምስ ኣንበብካ፡ ሓሰብቲ ሓደስቲ ከም ዘይኰኑ፡ ዓለም ከኣ ክንደይ ከም ዝረኣየት ይስቆረካ። ሽዑ፡ ነብስኻ ምስኣታቶም ብምውድዳር ክንደይ ከም ዝጐድለካ ትግንዘብ። ናይ ንባብ ክእለት ከም ሓደ ዓቢ ክእለት ክግለጽ ዝኽእልን ንሰባት ድማ ናብ ደረጃ ዝሰርዕን’ዩ።
ይኹን’ምበር በይኑ ናይ ንባብ ክእለት ኣኻሊ ኣይኰነን። እንታይ ደኣ ሰባት ድሕሪ’ቲ ክእለት ናይ ንባብ ባህሊ ከነማዕብል ክንክእል ኣለና። ከምኡ ኣብ እንገብረሉ ድማ ኢና ካብ ጥቕሚ ንባብ ክንረብሕ እንኽእል። ንባብ ዋላ ንኽትጽሕፍ ሓጋዚ’ዩ።
ኣብ እተንብበሉ እዋን ብዛዕባ ነገራት ዘለካ ግንዛበን
ኣፍልጦን ስለ ዝዓቢ፡ ብዛዕባ ክትጽሕፎ ዘለካ
ዛዕባ ኣድቂቕካ ብምፍላጥ ክትጽሕፍ የኽእለካ።
ብዘይካ’ዚ’ውን ናይ ካልኦት ጸሓፍቲ ኣረኣእያ ክትከስብ ንባብ ሓጋዚ ብምዃኑ ነቲ እትጽሕፎ ጽሑፍ ኣብ ምህብታም ኣገዳሲ’ዩ። “ንባብ ንትምህርቲ ዘይኰነስ ንህይወት እዩ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ ከም ዝገልጾ እተንብብሲ ንስለ ምንባር ምዃኑ’ዩ። ሰባት ካብ መሰረታዊ ናይ መግቢን መስተን መጽለልን ወጻኢ ድሌትና፡ ብዛዕባ ኩነታትናን ኩነታት ኣከባቢናን ንምፍላጥ ህንጡይነት ኣለና።
እዚ ህንጡይነት’ዚ ድማ ብፍልጠት እዩ ዝምላእ። ከምኡ ብምዃኑ ንናይ ምፍላጥ ሸውሃትና ንምምላእ ንባብ ከም መፍትሕ ፍልጠት ዓቢ ተራ’ዩ ዝጻወት ሰባት፡ ምስ ኣንበብና ብዙሕ ከም ዝተርፈና ስለ እንፈልጥ፡ ነቲ ዝጎደለና ፍልጠት ኣብ ምምላእ እንደገና ምንባብ ሓጋዝ’ዩ። ቅድመኻ ክንደይ ሰብ ልቦና ከም ዝነበሩ ከተንብብ ኣብ ትጅምረሉ ብዝግባእ ክትግንዘቦ ትኽእል ኢኻ። ስለዚ’ምበኣር ንባብ ከነቋርጾ ዘይብልና ልምዲ’ዩ። ንግሆን ምሸትን ኩሉ ግዜ ምስ ንባብ ክንርከብ ይግብኣና። ንባብ ንምንታይከ ዘይጠቅም - ንዅሉ ፈውሲ’ዩ። ሰባት ዋላ ብዛዕባ ነብስና ክንፈልጥ እንተደኣ ኣድልዩና ከነንብብ ክንክእል ኣለና። ብዛዕባ ባህሪ ኰታ ብዛዕባ ኣከባቢናን ህይወትናን ክንፈልጥ ባህጊ እንተደኣ ኣለና ከነንብብ ክንክእል ኣለና። ሕስብ ከብሎ እንከለኹስካብ ንባብ ዘይርከብ እንታይ ክህሉ ይኽእል? ኢለ ይሓስብ እሞ መልሲ ይስእን። ዘይተጻሕፈሉ ዛዕባ የለን። ኩሉ ኣብ ህይወት ዝህሉ ተጻሒፉሉ’ዩ። ብዛዕባ መጻኢ’ውን ከይተረፈ ተጻሒፉ’ዩ !
ቍሩብ ገንዘብ እንተተረኺቡ
መጻሕፍቲ ንምግዛእ እየ ዝጓየ፡
እንተተሪፉኒ ድማ ንመግብን
ክዳውንትን።
" ኤራስሙስ "✍️

Comments
Post a Comment