ገለ ካብቲ ን ከንብብ ዝሓገዙኒ ሜላታት
ኩሉ ግዜ እተንብቦ መጽሓፍ ኣብ ጥቓኻ ይሃሉኻ። ናብ ዝኾነ ቦታ ክትከይድ ከለኻ ዚንበብ ተማላእ። መጽሒታት ሓጸርቲ ጽሑፋትን ካልኦት ዚንበቡ ነገራት ኣብ ቦርሳኻ ሓዝ። ኣብ ጥቃ ዓራትካ መጻሓፍቲ ኣቐምጥ። ከም'ዚ ብምግባር እቲ ብኸንቱ ዚጠፍእ ዝነበረ ግዜኻ ኣብ ምንባብ ክትሕልፎ ኪሕግዘካ 'ዩ።
መዝገብ ኣዳሉ ፡ ክንደይ መጽሕፍቲ ከም ዘንበብካ ወይ ኣብ መዓልቲ ንክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዘንበብካ ኩሉ መዝግብ ፡ እቲ መዝገብ ኣብ ጥቓ መደቀሲኻ ፡ ኣብ ማዕጾ ናይ ፍርጅካ ወይ'ዉን ኣብ ኮምፕዩተርካ ኣብ ዝርአ ቦታ ክተቀምት ትኽእል ኢኻ።
ንመጻኢ ከተንብቦም እትሓስብ ነገራት ብዝርዝር ኣዳልዎም ። ን ኣዕሩኽትኻ ወይ መሓዙትካ እንታይ የንቡቡ ከም ዘለዉ ተወከሶም፡ ዝንበቡ ዚኽእሉ ማረኽቲ መጻሓፍቲ ፈትሽ ። ጽቡቃት መጽሓፍቲ ክተንብብ እንተ ደሊኻ ፡ ንኽትረኽቦም ብዙሕ ኣይክትሽገርን ኢኻ ። ከምዚ ብምግባር ናይ ምንባብ ሽዉሃትካ ኣብ ምኽፋት ኪሕግዘካ'ዩ። ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ምንባብ ልምድኻ ኪዓቢ እዩ።
ኣብ ናይ መጻሓፍቲ ክለብ ወይ ጉጂለ ኣንበብቲ ምጽንባር ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።ከምዚ ብምግባር ብዙሕ ክተንብብን ሓንቲ መጽሓፍ ንምዉዳእ ኒሕ ክህልወካን ዓቢ ተራ'ን ዚጻወት።
ኣብ ናይ መጻሓፍቲ ክለብ ወይ ጉጂለ ኣንበብቲ ምጽንባር ኣዝዩ ሓጋዚ'ዩ።ከምዚ ብምግባር ብዙሕ ክተንብብን ሓንቲ መጽሓፍ ንምዉዳእ ኒሕ ክህልወካን ዓቢ ተራ'ን ዚጻወት።
ናትካ ሜላ ተጠቀም ምንባብ ምስ ናይ ስራሕ ዉጥንካ ኣሳኒኻ ተግብር። ገሊኦም ሰባት ቅድሚ ምድቃስ ወይ ንግሆ ተንሲኢካ ከንብቡ ደስ ዝብልም ኣለዉ። ስለ'ዚ ዝጥዕመካ ግዜ ፈሊኻ ከተንብብ ጽዓር።
ኩሉ ነገር ገዲፍካ ኣንብብ! እኹል ግዜ ንምንባብ ኣለካ ። ጥራይ ተበገስ ነዛ ጽሕፍቲ 'ዉን ስለ ዝጀመርካያ ኢኻ ወዲኢካያ ። ኣብ ሞንጎ ምቁራጽ ብዙሕ ኣይትፍቶ። ምንባብ ቀሊል 'ዩ ጀምሮ ጥራይ። ካብ ሕጂ ጀሚርካ ብዙሕ ክንብብ'የ ኢልካ ምስ ነብስኻ ቃል እቶ...... በቃ!
ኩሉ ነገር ገዲፍካ ኣንብብ! እኹል ግዜ ንምንባብ ኣለካ ። ጥራይ ተበገስ ነዛ ጽሕፍቲ 'ዉን ስለ ዝጀመርካያ ኢኻ ወዲኢካያ ። ኣብ ሞንጎ ምቁራጽ ብዙሕ ኣይትፍቶ። ምንባብ ቀሊል 'ዩ ጀምሮ ጥራይ። ካብ ሕጂ ጀሚርካ ብዙሕ ክንብብ'የ ኢልካ ምስ ነብስኻ ቃል እቶ...... በቃ!

Comments
Post a Comment