ንባብ መግቢ ናይ ኣእምሮ እዩ
ህይወትና ብዙሓት ነገራት ከም ምርጫ ወሲድና ከነተግብሮም ንረአ ኢና። ነቲ ምርጫ ምውሳድናን ዘይምውሳድናን ከኣ፡ ብመጠን’ቲ ድሒሩ ዘስዕቦ ሳዕቤን እዩ ዝዕቀን። እቶም ብዘይ ምትግባርና ክቦኽሩና ወይ ክጎድሉናን ክጎድኡናን ዝኽእሉ ነገራት ከኣ ናይ ግድን ክንወስዶም ዝግባኣና ኣማራጺታት ይኾኑ። ሓደ ካብኦም ከኣ ምንባብ እዩ። ንባብ መግቢ ናይ ኣእምሮ እዩ ይበሃል እንተሎ፡ ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ከም ዝምልከቶን ከም ዘርብሖን እዩ ዝሕብረና። ኣብዛ ዓለም ብፍላይ ድማ ኣብዚ ብቴክኖሎጂ ሓበሬታ ከም ሓረግ ተጠናኒጋትሉ ዘላ እዋን፡ ብዝሒ መጻሕፍቲ ከነንብብ፡ ፍልጠትን ሓበሬታን ክንድልብን ግድን እዩ። ሰብ ብመጠን’ቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደቒቕ ዝረኽቦ ሓበሬታን ተመኲሮ ፍልጠትን ስለዝኾነ ዕቤቱ ዝረጋገጽ። ብርግጽ፡ ስነ-ጥበባዊ ሕብርታት ኣሳእል፡ ንትሕዝቶታት ዓለም ብቐሊሉ ከርእዩና ዝኽእሉ መሳኹቲ ክኾኑ ዝኽእሉ’ኳ እንተኾኑ፡ መጻሕፍቲ ግና፡ ነቲ ሽሻዩ ካብ መሶቡ ክንቋደስ ቊሩባት ምስ እንኸውን፡ ካብቲ ውሻጠ ውሽጥና ኣውጺኦም፡ ናብቲ ኬድካ ዘይውዳእን ሓምቢስካ ዘይውጻእን ባሕሪ ፍልጠትን ተመኲሮን ዘብቅዑና ብሉጻት ህያባት እዮም። ንባብ፡ ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፡ ጥቕምታቱን ጉድኣታቱን ንኹሉ ሰብ ብማዕረ ዝጸልዎ’ኳ እንተኾነ፡ ልክዕ ከም ካልኦት ነገራት፡ ብሰንኪ ባህሪ፡ ትሕዝቶን ደረጃን ናይቲ ሰብ፡ ንሓደ ሰብ ዝያዳ ካልእ ዘገድሰሉ እዋን ኣሎ። እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከኣ ፡ ገለ ካብቶም ዘርዚርካ ዘይውድኡ ብዙሕ ጥቕምታት ዝህቡን፡ ኣብ ህይወት ዝፈጥርዎም ብሉጻት ዕድላትን መኽሰባትን እዮም። ምንባብ፡ ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትናን ምንቅስቓሳትናን፡ ብልሕን ትኲርነትን’ዩ ዝፈጥረልና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትና፡ ንንባብ ዝኸውን ግዜ ፈሊና ምንባብ ምስ እነዘውትር፡ ዝለዓለ...