ብስለት maturity !
ብስለት ( Maturity )
ብስለት ብቐንዱ፡ ውጽኢት ንቕሓትን ሰፊሕ መረዳእታን እዩ’ ይብሉ ተመራመርቲ ናይ’ዚ ዓውዲ። ኣብ ህይወት ዘለካ ኣጠማምታ ኣብ ግብራዊ ተመኵሮን
ሓቅን ዝተመርኰሰ ምስ ዝኸውን፡ ካብ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባን እምነትን፡ ካብ ቅድመ-ፍርድን ስምዒትን ሓራ ምስ እትኸውን. . . ብሱል ኣመለኻኽታ ክህልወካ ይኽእል እዩ።
ብሱል ሰብ ክትበሃል ናይ ግድን ዕድመ ዝበላዕካክትከውን ኣለካ ማለት እውን ኣይኰነን።ብስለት ናይ ብዙሓት ድምር እዩ። ዕድመ ንቕሓት፡ ብልሒ፡ ናይ ምውሳን ዓቕሚን ካልኦት ረቛሒታትን ተደሚሮም እዮም ብሱል ሰብ ዝገብሩኻ። ተመራመርቲ’ዚ ዓውዲ፡ ደረጃ ብስለት ዝዕቅን ረቛሒታት ኣንቢሮም ኣለዉ፡-
- ኣብ ክውንነት ምእማንን ኣብ ሓቅታት ምምርኳስን
- ኣብ ኣእምሮኻ ቦታ ዝሃብካዮም ኣጉል እምነት፡ ግጉይ መረዳእታ፡ ቅድመፍርድን ግምታዊ ጠባያትን ብወድዓውነት መርሚርካ ምጉሓፍ
- ኣብ ክንዲ ብስምዒት ብርትዒ ምሕሳብ። ንስምዒትን ርትዕን ፈላሊኻ ምፍላጥ፡ ንኽልቲኦም ኣብ ህይወትካን ቀዳምነታትካን ግቡእ ቦታኦም ምትሓዝ
- ኣቀራርባኻ ኣልዝብ ኣቢልካ ከተእምን ምኽኣል። ማእከል ስሕበት ክትከውን ከይደለኻ ኣብ ማዕርነት ዝተመስረተ ምሕዝነት ምምስራት፡ ፍሽለት ከይፈራሕካ ውጥናትካ ምትግባር
- ኣብ ክንዲ ነቓጽን ንፍርዲ ዝህወኽን ዓይነት ሰብ እትኸውን፡ ተዓጻጻፊ በዓል ክፉት ኣእምሮን ንሓድሽ ፍልጠትን ሜላን ተቐባሊ ክትከውን ምኽኣል - ኣጋጣሚታት ህይወት ንዝኽሰተሉ ቦታን ግዜን ከም ዝመስሉ ፈሊጥካ፡ ኣቐዲምካ ብዝቓነኻዮ ወይ ብልሙድግብረ-መልሲ ክትምልሰሎም ዘይምፍታን
- ንኹሉ ገጻት ህይወት ክትሕጐሰሉን ከተስተማቕሮን ምኽኣል ኣየናይ እዩ ክትገብሮን ክትጭብጦን ዝከኣል? ኣየናይ እዩኸ ዘይከኣል? ፈሊጥካምርዳእ
- ብዛዕባ ነብስኻ ዝተጋነነ ምስሊ ዘይምሓዝ። ከም ኩሉ ሰብ ድኽመታት ከም ዘለካ ምእማን፡ ርእይቶ ሰባት ምኽባር ፍርሒ፡ ሻቕሎትን ጭንቀትን ኣብ ዝስመዓካ እዋን፡ ብኸመይ ከም እትቆጻጸሮ ምፍላጥ፡ ናብ ብስለት ዘብጽሕ መንገዲ እዩ። ብስለት ንውሑዳት ሰባት ዝተዓደለ ጸጋ ገይርካ ምቑጻሩ ግቡእ ከም ዘይኰነ፡ ነገራት ብምስትውዓልን መጻሕፍቲ ብምንባብን ዓበይቲ ብምውካስን ክብጻሕ ዝከኣል ጥበብ ምዃኑ፡ ክኢላታት ይገልጹ።
እዚጥበብ’ዚ ዋናታቱ ኣብ ዝዀንናሉ እዋን እምበኣር፡ ነገራት ኣብ ምውሳን፡ ዕላማና ኣብ ምውሓስ፡ መንገድና ኣብ ምልላይ፡ ምርጫታትና ኣብ ምንጻር፡ ባህግና ኣብ
ምምላእን ካልኦት ኣብ ህይወት ዘገድሱና ረቛሒታት ከይተጸገምና ውሳነ ኣብ ምሃብ ኣይንጽገምን።
Comments
Post a Comment